ሚ/ጉ/ወ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሃገራት ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ጸዊዖም

  • ዜና ቪኦኤ

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ልዕሊ ዚምባብወ: ቨንዙወላን ኩባን ዝተነብረ ማዕቀብ ክልዓል ጸዊዖም። ሎሚ ሰኑይ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስምዑ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ:

ነቲ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ብምዝካር፡ ነተን ዓብለልቲ ዝበለን ሓይልታት ዘይሓላፍነታዊን እንኮ-ቀጽራዊ ፖሊሲታት ብምስጓም ተሓተቲ ጌሩ።

እተን ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝጸውዕወን ሰለስተ ሃገራት ብምኽንያት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብልሽውናን ዘይርትዓዊ ምርጫን ኣብ ትሕቲ ማዕቀብ ኣመሪካ ዘለዋ`የን።

ኩባ ካብ ዝርዝር`ተን ኣንጻር ቃልሲ ጸረ-ሽበራ ምሉእ ምትሕብባር ዘይገብራ ዝተባህላ ሃገራት ትውጻእ `ምበር፡ ካብ ዝርዝር መወልቲ ግብረ-ሽበራ ግን ኣይወጸትን። ኤርትራ ድማ ንኣልሸባብ ትድግፍ`ያ ተባሂሉ ኣብ 2009 ዝተነብረላ ማዕቀብ፡ ኣብ 2018 ተላዒሉላ እዩ። “ ሓይልታት ዕብለላ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምቕጻዕ ውዲቶም ኣይቋረጹን” ዝበሉ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ነቲ ኣንጻር ዕብለላን ግብረ-ሽበራን ንዓሰርተታ ዓመታት ብዘይ ዕረፍቲ ዝተቓለሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ `ውን መመኽነይታ( ምስምስ) ይደልዩ ኣለዉ” ኢሎም።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መበል 79ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዚምባብወ፡ ቨንዙወላን ኩባን ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ`ውን ፍትሓዊ ስለዘይኮነ ክልዓል ኣለዎ ኢሎም።