ቢንያም ግርማይ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ ቀዳማይ ወጺኡ -- ታሪኽ ሰሪሑ

ቢንያም ግርማይ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ 1 ሓምለ 2024

ሎሚ ሰኑይ 1 ሓምለ 2024 ኣብ ዝተቓንዐ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኢንተርማሸ ዝዀነ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ወጺኡ። ኣብ ሳልሳይ ዙር እዚ ውድድር፡ ንቢንያም ስዒቦም ኮሎምቢያዊ ፈርናንዶ ጋቪራ ካልኣይ፣ ከምኡ’ውን በልጁማዊ ኣርናዱ ደ ሊ ሳልይሳይ ወጺኦም።

እዚ ኣብ ታሪኽ እዚ ዝዓበየ ናይ ብሽክለታ ውድድር፡ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ምዃኑ’ዩ። ኣቐዲሙ’ውን ዓቢ ግምት ተዋሂቡዎ ዝነበረ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ምጅማር እዚ ውድድር ቀንዲ ጠመተኡ ናይ መድረኽ ዓወት ንምጕንጻፍ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሎሚ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ 231 ኪሎሜተር ዝሽፍን ኰይኑ ካብ ፓቸንዞ ንቱሪን ኢጣልያ ዝወስድ መንገዲ’ዩ ነይሩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር እቲ ዝነውሐ መንገዲ ሎሚ ዝተኻየደ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዙር ፈረንሳ፡ ቢንያም ኣብ ሓደ መድረኽ ሳልሳይ ብምውጻእ ናብቲ መድረኽ ዝደየበ ናይ ፈለማ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኰይኑ’ዩ። ኣቐዲሙ ኣብቲ ዓቢ ስም ዘለዎ ዙር ኢጣልያ ኣብ ሓደ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ታሪኽ ዝሰርሐ ቢንያም፡ ኣቐዲሙ'ውን ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ካላሲክ ቱር ምዃን ተመሳሳሊ ክብረ-ወሰን ሒዙ'ዩ።

ቅድሚ ሎሚ ዝዀነ ናይ መድረኽ ዓወት ዙር ፈረንሳይ ተጓናጺፋ ዘይትፈልጥ ጋንታ ኢንተርማሸ’ውን ሎሚ ቢንያም ብዘመገቦ ዓወት ንታሪኽ እታ ጋንታ ክብረ-ወሰን ኰይኑ ኣሎ።

ቢንያም ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቅድድም ብሽክለታ ካብ ዝጅምር ንነጀው ኣብቲ ዝዓበየ ውድድር ዙር ፈረንሳይ ንምስታፍ ክሓልሞ’ውን ዝኸብዶ ዝነበረ ሕጂ ኣብኡ ተዓዋቲ መድረኽ ኰይኑ ምውጻኡ ክኣምኖ ከም ዘጸግሞ ገሊጹ። ቢንያም ኣስዒቡ “እዚ ዓወት ናይ ኤርትራን ብቐንዱ ድማ ናይ ኣፍሪቃን’ዩ። ኵላትና በዚ ክንኮርዕ ይግባእ። ሕጂ ኣካል’ቲ ዝዓበየ ውድድር ኴንናስ ንዕወት’ውን ኣሎና፡” ኢሉ።