ሰለስተ ኤርትራውያን ፓይለታት፣የብርርዋ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ደቡባዊ ስዑድ ዓረብ ተገዲዳ ንክትዓልብ ምስተገብረ፣ፖለቲካዊ ዕቁባ ምሕታቶም ተገሊፁ።
ኣል-ኣረብያ ትካል ዜና ንመንግስታዊ ወሃቢ-ቃል ጠቂሱ ከምዝፀብፀቦ፣ F-15 ነፈርቲ ውግእ ነታ ናብ ክልል ኣየር ስዑድያ ዝኣተወት ነፋሪት ዓጂበን ንክትዓልብ ከምዝገበራን፣እቶም ፓይለታት ብዘይምድንጓይ ዕቁባ ሓቲቶም ከምዝተፈቀደሎም ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።
ሮይተርስ ትካል ዜና ብወገኑ ንሰበ-ስልጣን ስዑድ ዓረብ ጠቂሱ ከምዝፀብፀቦ፣እታ ነፋሪት ወትሃደራዊ‘ምበር ናይ ውግእ ነፋሪት ኣይኮነትን ይብል።
ሎም-ዘበን ካብ ኤርትራ ብዝላዓለ ደረጃ ምጥፋእ ዜጋታታ‘ውን ኣጓኒፉ‘ዩ።ሚድያታት ስዑድ ዓረብ ኣብ‘ዚ ዓመት‘ዚ ሓንቲ ቅድም ኢላ ናብ ስዑድ ዓረብ ብክልተ ፓይለታት ዝተወሰደት ነፋሪት ሒዛ ንክትምለስ ዝተላኣኸት ኤርትራዊት ፓይለት ኣይምለስን ኢላ ዕቁባ ከምዝሓተተት ገሊፆም‘ለው።
ዝሓለፈ ለካቲት፣18 ተፃወቲ ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ከምዝጠፍኡን ዳሓር ፖለቲካዊ ዕቁባ ከምዝተፈቀደሎምን‘ውን ዝዝከር‘ዩ።
ዓሚ ጥሪ ዝዓለው ወትሃደራት ንሚንስቴር ዜና ኤርትራ ንሓፂር ጊዜ ተቆፃፂሮም ነይሮም።ገለ ካብ ዘቅረብዎም ሕቶታት ኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ይፈትሑ ዝብል ነይሩ።