ትሑት እቶታውነት ምህርቲ ዕፉንን ስርናይን ኤርትራ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ሃገራዊ ዋዕላ ተኻይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ትሑት እቶታውነት ምህርቲ ዕፉንን ስርናይን ኤርትራ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ሃገራዊ ዋዕላ ተኻይዱ

ኣብ ኤርትራ ምህርቲ ስርናይ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ይካየዱ’ኳ እንተሃለዉ፡ እቶት ምስ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ብምዝማድ ትሕቱ ከም ዝኾነ ኣብቲ ካብ 20 - 21 መስከረም 2023 ኣብ ኣስመራ ዝተቓንዐ ሃገራዊ ዋዕላ ስርናይ ዕፉንን ኤርትራ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዋዕላ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘቕረበ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ክኢላ ምፍራይ መግቢ እንስሳን ኣዝርእትን ኣቶ ዓብደላ ዑመር፡ 16 ዓይነታት ዝተመሓየሹ ዘርእታት ከም እተኣታተዉን ሽዱሽተ ካብኣቶም ድማ ብሓረስቶት ይባዛሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ ምህርቲ ስርናይ ንምዕባይ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ስትራቴጂ ከም እተሓንጸጸ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ምኽንያት ናይዚ ትሑት እቱታውነትን ብዛዕባ ዝካየዱ ዘለው ተበግሶታት ሓዊሱ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።