ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ወራር ኣንበጣ ምድረ-በዳ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ወራር ኣንበጣ ምድረ-በዳ

ጽቡቕ ዝርግሐ ዘለዎ ክራማት ባሕሪ ስዒቡ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪወራር ኣንበጣ ምድረ-በዳ ምርኣዩን ገና’ውን ይቕጽል ምህላዉን ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ኣፍሊጡ። እቲ ካብ ሰሜናዊ ጫፍ ኤርትራ ክሳብ ምብራቓዊ ጎላጉል ዝርአ ዘሎ ወረራ፡ ዛጊት ኣሻቓሊ ኣይኰነን ዝበለ እቲ ሚኒስትሪ፡ እቲ ስክፍታ ግን ካብ የመንን ሱዳንን ብዝሳግሙ ዕስለ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የርድእ።