ኤርትራ ንኢቨስተራት ኣዝያ ተተአማምንን ምችእትን'ያ - ዶ/ር ወልዳይ ፍጡር 2ይ ክፋል

Dr. Welday Fitur

ኤርትራ በቲ ንዝሓለፈ 20-ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ፅላታት ኢኮኖሚ ዝገበረቶ ኢንቨስትመንት ኢኮኖሚአ ዕብየት የርኢ'ሎ ክብሉ ዶ/ር ወልዳይ ፍጡር ገሊፆም። ዶ/ር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ትኹረት ኤርትራ ኣብ ልምዓት ሰብን ምዕሩይ ዕበትን'ዩ ኢሎም።

ኤርትራ ምስ ዓለም-ለኽ ማዕኸና ገንዘብ ሽርክና አለዋ ኣባል'ውን እያ ዝበሉ ዶ/ር ወልዳይ ግን ካብአቶም ዝርከብ ፍልፍል ምስቲ ሸቶታትናን አካይዳናን ዝሰማማዕ ምስ ዝኸውንን ኣብኡ ምሳና ንምስራሕ ክሳብ ዝተሰማምዑ'ዩ ክብሉ አብሪሆም።

ኤርትራ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ከተማ አስመራ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ኣካይዳ ኔራ። ዕላማ'ቲ ጉባኤ ኤርትራውያን በብዓቅሞም ኣብ ዝኽእልዎ ዝተፈላለየ ፀፍሒ ኢኮኖሚ'ታ ሃገር ገንዘቦም አዋፊሮም ኣብ ልምዓትን ዕብየትን ሃገሮም ብምክፋል ንሳቶም'ውን ተጠቀምቲ ንክኾኑ'ዩ ክብሉ ዶ/ር ወልዳይ ፍጡር ገሊፆም።

ኣብ ቤት-ፅሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ሚኒስተር ማእኸል ወፍርን ልምዓትን ዝኾኑ ዶ/ር ወልዳይ ፍጡር ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት'ዮ ነዚ ገሊፆም።

ንሎሚ ካልአይ ክፍሊ'ቲ ቃለ-መሕትት ቀሩቡ'ሎ።

ንምስምዑ ነዚ ኣብ ትሕቲ'ዚ ጽሕፍ ንዘሎ ጠውቁ።

Your browser doesn’t support HTML5

Dr. Welday Fitur



Your browser doesn’t support HTML5

Dr. Welday Fitur