ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ዓብላላይ ኮይኖም ኣለው ኢሉ ዝጠቅስ እቲ ሪፖርት፣ካብ ዕለት ናፅነት‘ታ ሃገር ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ንሃገራዊ ምርጫ ኣጓቲትዎ‘ሎ፣መዛዘሚ ዘይረኸበ ዘሎ ምስሕሓብ ዶብ ምስ ኢትዮዽያን ጂቡቲን ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪካዊ ናፅነትን ከምምኽንያት ከምዝጥቀመሉ‘ውን ይጠቅስ።
ሃገራዊ ኣገልግሎት መወዳእታ ዘይብሉ‘ዩ ይብል ሪፖርት ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ።መንግስቲ ኤርትራ ግና ነዚ ገምጋም‘ዚ ኣይቅበሎን።ፍትሒ ስለዘይዋሃብ፣ሰባት ንዓመታት ይእሰሩ።መንግስቲ ንናፅነት ምዝራብ፣ሚድያ፣ ምእካብ፣ምውዳብን ሃይማኖትን ገዲቡ‘ሎ።ንዜጋታት፣ወፃእተኛ ተቀማጦ ኣብ‘ታ ሃገር፣ዲፕሎማስያውያንን ሰብኣዊን ትካላት ልምዓትን ናይ ምዝውዋር ናፅነቶም‘ውን ተገዲቡ‘ሎ።ኣስገዳድ ግፋን ምልመላን‘ውን ተራእዩ‘ዩ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራ-ዒሮ መራሒ ጋንታ ዝነበረ ኢዮብ ባህታ ሃብተማርያም ካብ ኤርትራ ሃዲሙ‘ዩ።ንሱ ኣብ ዒራ-ዒሮ 35 ላዕለዎት መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን፣ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ተኣሲሮም ኣለው ይብል። ካብ‘ሞንጎኦም፣ኣብ ኤርትራ ዴሞክራስያዊ ለውጢ ንክተኣታተው ዝሓተቱ ኣባላት ጉጅለ-15 ይርከብዎም።15 ካብ‘ቶም እሱራት ብሰንኪ መግረፍቲ፣ ሕፅረት ሕክምናን መግቢን ከምኡውን ብርቱዕ ሃሩር ሞይቶም‘ለው።
መንግስቲ ኤርትራ፣ነቶም ኣብ ጥቃ ዕደና ዝካየደሉ ዝተረኽቡን፣ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሃድሙ ዝፈተኑን ዜጋታት፣ብቅፅበት ተኲስካ ምቅታል ዝብል ኣሰራርሓ ይትግብር።