ኣብ ትምህርታዊ ጉዕዞኣ ልዑል ዓወት ዝተጎናጸፈት ኤርትራዊት ቤትኤል ሃብቶም

Your browser doesn’t support HTML5

▶ ኣብ ትምህርታዊ ጉዕዞኣ ልዑል ዓወት ዝተጎናጸፈት ኤርትራዊት ቤትኤል ሃብቶም

ቤትኤል ሃብቶም ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2023/24፡ ካብ ኮሌጅ ምህንድስና ማይ ነፍሒ ብሲቪል ኢንጅነሪንግ ምሉእ ነጥቢ (4.00) ብምምጻእ ጎብለል ናይቲ ዲፓርትመንት ብምዃን ትምህርታ ዛዚማ።

ናይ መዋእለ ህጻናት ትምህርታ ኣብ ኣስመራ ቤት ትምህርቲ ቤት ሳብሪን፡ ናይ መባእታን ማእከላይ ደረጃን ኣብ ፊላንፍድ ሚስዮን፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ድማ ኣብ ቤት ተምህርቲ ደምበ ሰምበል ዝተማህረት ቤትኤል፡ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ክፍሊ ካብ ክፍላ 1ይቲ፡ ካብ 4ይ ክሳብ 11 ክፍሊ ድማ ካብ ምሉእ ቤት ትምህርቲ ቐዳመይቲ እናወጽአት’ያ ናይ ማትሪክ መዳለዊ ትምህርታ ንምቕጻል ናብ ሳዋ፡ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣምሪሓ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ ዝተገበረ ንማትሪክ መዳለዊ መርመራ ኣ ምሉእ ነጥቢ ብምምጻእ ናብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ተጸምቢራ።

ቤትኤል፡ ኣብ ኮለጅ ምህንድስና ምስቶም ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ተማሃሮ ተወዳዲራ፡ ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ዓመት ምሉእ ነጥቢ ብምምጻእ፡ ዳርጋ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ዲፓርትመንት ካብ ዝተመዝገበ እቲ ዝለዓለ ነጥቢ ክበሃል ዝኽእል ውጽኢት ብምምዝጋብ’ያ ብኣዝዩ ልዑል ማዕርግ ትምህርታ ዛዚማ።