ፓርላማ ብሪታኒያ ንጉዳይ ፍልሰት ኤርትራዊያንን ንከይዲ ምርጫ ኢትዮጵያን ከም ዝዘተየሉ ካብ መርበብ ሓበሬታ ፓርላማ ብሪታኒያ ዝተረኸበ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ፓርላማ ንጉዳይ ኤርትራ ዝዘተየሉ 19 ጥሪ 2007 ዓ/ም እንትኸውን ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት መርማሪታ ፍሉይቲ ልኡኽ ሺላ ኪታሩት ነቲ ፓርላማ መደረ ቅድሚ ምስምዐን እዩ።
ኣብ ምዕራብ ኣውሮፓ ኣብ ፈለማ ዓሰርተ ኣዋርሕ ዝሓለፈ ዓመት ኣውሮፓዊያን ቁፅሪ ኤርትራዊያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዕቑባ ብሰለስተ ዕፅፊ ከምዝወሰኸ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ይገልፅ።
ሰበስልጣን ብሪታኒያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ኤርትራ ብምጉዓዝ ብዛዕባ ጠንቂ ፍልሰትን ስደትን ምስ ሰበስልጣን ተዘራሪቦ ኣለው።ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ 18 ኣዋርሕ ገደብ ከምዝግበረሉ ንብሪታናዊያን ልኡኽ ኣረጋጊፆምሎም ኣለው።
ንጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት እውን ኣብ ወርሒ ግንቦት ብዛዕባ ዝካየድ ከይዲ ምርጫ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ነፃነት መራኸቢ ብዙሃንን ኣተሓሕዛ ተቓወምቲ ውድባትን ዝኸፍአ ምዃኑ ገሊፆም ኣለው።ጋዜጠኛታትን ተቓወምትን ዝበፅሖም ምንክልባትን ምጥሓስ መሰላትን ኣባላት ፓርላማ ብሪታኒያ ተዘራሪቦምሉ ኣለው።ኣብ ኢትዮጵያ እውን ተመሳሳሊ ዑድተ ንምፍፃም መደብ ከምዘሎ ተገሊፁ’ሎ።