ኣብ ኤርትራ 5 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጓኒፉ፡ ኣብ ሰብ ዝወረደ ክሳራ ዛጊት ኣይተመዝገበን

ኣብ ኤርትራ ትማሊ ረቡዕ 13 መስከረም 2023 ኣብ ሰዓታት ምሸት 5 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዝጋጠመንን ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ዕንወት እንተልዩ ዛጊት ከም ዘይተመዝገበን፡ ንሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ብምጥቃስ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብቲ ቅድም ብትዊተር፡ ሕጂ ድማ ኤክስ፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓቢሩ።

እቲ ምንቅጥቃጥ-መሬት ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ንደቡብ ኣስታት 40 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ክሳብ 10 ኪሎ-ሜተር ዝዝርጋሕ ከም ዝነበረ’ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት። ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ጊንዳዕን መጠነኛ ምንቅጥቃጥ ከም ዝተራእየ ኣቶ የማነ ሓቢሩ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ ኣብ በበይኑ ስፍራታት ኤርትራ ክሳብ 5.6 ሬክተር ዝዓቐኑ በበይኑ ምንቅጥቃጣት ምድሪ ምግጣሙ ይዝከር። እቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ምንቅጥቃጥ-መሬት ክሳብ ናይ ክልል ትግራይ ከተማታት ዓዲግራት፡ መቐለን ኣኽሱምን ዝዝርጋሕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ህይወት ሰብ ዝተመዝገበ ቀጥታዊ ሓደጋ ግን ኣይነበረን።