ዝሓለፈ ሰንበት 24 ሕዳር ብዘጋጠመ ብርቱዕ ንፋስን በረድን ዝተሓወሶ ዝናብ 12 ዙርያታት ምስ ተረፎ ዝተቛረጸ ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር፡ ትማሊ ሰንበት 1 ታሕሳስ ዳግማይ ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ኣባል ጋንታ ኣስቤኮ ሚልኪያስ ማእከለ ኣብ ናይ መወዳእታ ዙርያ ካብ መቐዳድምቱ ሞሊቑ ብምውጻእ ብዘይተቓጻጺ ብምዕዋት ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል ኮይኑ።
ኣብ’ቲ ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ኣስመራ ዝተኻየደን 26 ዙርያታት ዝሸፈነ ናይ 171.6 ኪ/ሜ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ሚልክያስ ኣብ ሰዓት 41.8 ኪ/ሜ እናተሓንበብ ንውድድሩ ብ4 ሰዓት 6 ደቒቕን 18 ካልኢትን ብምዝዛም’ዩ ተዓዊቱ። ኤቨን ረዳኢ ካብ ጋንታ ኣስቤኮ ካልኣይ፡ ሄብሮን ብርሃነ ካብ ጋንታ ሰንበል ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም።
ዝሓለፈ ሰንበት 24 ሕዳር 110 ኪ/ሜ ዝሸፈነ ውድድር ዘካየዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ድማ ኣባል ጋንታ ደንደን ሮምና ጉዕሽ ንጓል ጋንታኣ ኣድያም ዳዊትን ኣባል ጋንታ ደቡብ ናርዶስ ጸጋይን ብቕጽበታዊ ውድድር ስዒራ ቐዳመይቲ ብምኳን ዘውዲ ሻምፕዮን ደፊኣ።
ናይ 121.8 ኪ/ሜ ውድድሮም ዘካየዱ ማእከሎት ድማ ኤስሮም ተስፋይ ካብ ጋንታ ኤሪ-ቴል ሻምፕዮን ክኸውን ከሎ፡ ናሆም ኤፍሬም ካብ ጋንታ ኤሪቴል ካልኣይ ሚካኤል ዳኒኤል ካብ ደንደን ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም።