ዓርቢ 23 ሰነ ብናይ ክሮኖሜትር ውድድር ዝጀመረ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2023፡ ሰንበት 25 ሰነ 2023: ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብዝተኻየደ 17 ዙርያ ዝሽፈነ ናይ 123.4 ኪ.ሜ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ብዓወት ኣባል ቲም ዩሲኣይ ዓወት ኣማን ተዛዚሙ።
ካብ ፈለማ ብናይ ውሽጢ ሃገር ተቐዳደምቲ እናተቐለስ ብናህሪ ዝጀመረ ውድድር፡ ካብ ፍርቂ ናይቲ ውድድር ብፕሮፌሽናላት ተቐዳደምቲ ሜሮን ተሾመን ናትናኤል ብርሃነን እናተቐለሰ ናህሩ ኣብ ዝወሰኸሉ፡ ጉጅለታት ክፍጠሩን እቲ ጋግ ክገፍሕን’ዩ ተራእዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዙርያ ኣብ መንጎ ናይ ውሽጢ ሃገር ተቐዳደምትን ፕሮፌሽናላትን ዝርአ ዝነበረ ምትሕልላኽን ናይ ምምሏቕ ፈተነታት ንተዓዘብት ሰሓቢ ኮይኑ ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ዓወት ኣማን ብዝወሰዶ ቅጽበታዊ ስጉምቲ ንጴጥሮስ መንግስን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ብቕጽበታዊ ውድድር ቀዲሙ መዛዘሚ ሕንጻጽ ብምርጋጽ ተዓዊቱ። ዓወት ኣማን፡ በዚ ዓወት ተሓጊዙ ኣብ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ጎብለል ቕድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2023 ብምዃን ድርብ ዓወት ተጎናጺፉ።ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ጴጥሮስ መንግስ ካልኣይ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ከኣ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም።
ኣብቲ ብርቱዕ ጸሓይ ዝዓብለሎን ክሳብ ዝዛዘም መን ከምዝዕወት ንምግማቱ ኣጸጋሚ ዝነበረን ሓያል ውድድር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ብሽክለታ ዓለም (ዩሲኣይ) ተሓቝፉ ዝርከብ ወዲ 20-ዓመት ኣባል ጋንታ ደንደን ዓወት ኣማን፡ ንዓበይትን ምኩራትን ተቀዳደምቲ በዲሁ ብምስዓሩ ካብ ሓየለ ኣፍቀርቲ ብሽክለታ ናእዳ ረኺቡ’ዩ።
ኣብቲ ሸሞንተ ዙርያታት ዘጠቓልል 81.6 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ኣንስትዮ ውድድር፡ኣባል ጋንታ ሰራይር ሳዋ ቅሳነት ወልደሚካኤል ኣብ ክልቲኡ ምድብ ጎብለል ኮይና ክትዕወት ከላ፡ኣድያም ዳዊት ካብ ጋንታ ደንደን ፌቨን ሃይለ ካብ ጋንታ ሰራይር ሳዋ ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን።
ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዘካየድዎ ናይ 112.2 ኪ.ሜ ውድድር ከኣ ሜሮን መንግስ ንኤርምያስ ዑቕባይን ሮቤል ግርማይን ቀዲሙ ክዕወት ከሎ፡ናይ 40.8 ኪ.ሜ ውድድር ዘካየዳ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ሮምና ጉዑሽ ንኣድያም ኢሳቕን ራሄል ዘርእሰናይን ቀዲማ ተዓዊታ።
ኣብ ናይ ዓበይቲ ክልቲኡ ጾታ ቐዳማይ ኮይኖም ዝተዓወቱ ተቐዳደምቲ፡ወርቂ መዳልያ፡ጻዕዳ ማልያን ናይ 10,000 ናቕፋን ክሽለሙ ከለዉ ፡ንካልኣይ 6-ሽሕ ናቕፋን ብሩር መዳልያን ንሳልሳይ ከኣ 4-ሽሕ ናቕፋን ነሓስ መዳልያን ሽልማት ተዋሂቡ።
ኣብ ትሕቲ 23 ዓመትን ጁንየርን ቐዳማይ ኮይኖም ዝተዓወቱ ናይ ወርቂ መዳልያ፡6-ሽሕ ናቕፋን፡ጻዕዳ ማልያን ክሽለሙ ከለዉ፡ ንካልኣይ ብሩር መዳልያን 4-ሽሕ ናቕፋን ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ዝተዓወቱ ድማ፡ 3-ሽሕ ናቕፋን ነሓስ መዳልያን ተሸሊሞም።
ኣብ‘ዚ ንፈለማ እዋን ብኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኮሚሽነር ምርያም ሃብታይ እናተመርሐ ዝተኻየደ፡ መበል 13 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሻምፕዮን መርሃዊ ቅዱስ፡ናይ ሎሚ ዓመት ዕዉት ክሮኖሜተር ኣማኑኤል ገ/ዝጋብሄር፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ናትናኤል ብርሃነ፡ሜሮን ተሾመ፡ ተስፎም ዕቑባማርያምን ዝኣመሰሉ 14 ፕሮፌሽናላት ተቐዳደምቲ ዝርከብዎም ፡ኣስታት 250 ተቐዳደምቲ ከም እተሳተፉ ካብ ኣካየድቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ናይ ክሮኖሜተር ዕዉት ዝሓለፈ ዓመት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማሽ ቢንያም ግርማይ፡ ንውድድር ዙር ፈረንሳ ይዳሎ ስለ ዘሎ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሻምፕዮን ኣይተሳተፈን። ቢንያም ግርማይ ሓለቓ ጋንታኡ ኰይኑ ኣብ ውድድር ዙር ፈረንሳይ ክሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።