ኣስመራ —
ኣብ ኤርትራ ልዑል ዋሕዲ ክኢላታት ማህጸንን መወለዳንን ስለ ዘሎ፡ ነቲ ሃጓፍ ንምምላእ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ጀመርቲ ሓካይምን መሕረስቲን ኣብ ዝተዋፈሩሉ ማእከላት ጥዕና፡ ነቲ ብቐረባ ምክልኻል ዝከኣል ጸገማት ባዕላቶም ክፈትሑ ከም ዝተገብረ ጸብጻባት እቲ ሚኒስትሪ የመልክቱ።
ጸብጻባት ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሰፍ) ከም ዘምልክቶ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ሓደ ሽሕ ሕርሲ፡ ኣስታት 37 ሞት ህጻናትን ኣደታትን የጋጥም። ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ኤርትራ ክኢላ ማህጸንን መወለዳንን ዝዀነ ዶክተር በረኸት ስብሃቱ፡ እቲ ዝርጋሐ መባእታውያን ሓካይም ንሞት ህጻናት ኣብ እዋን ሕርሲ ኣዝዩ ከም ዘጉደሎ ይሕብር።