እታ ሃገር፡ ረድኤት መግቢ ዘድልዮ ቁጽሪ ህዝቢ ትሓብእ፡ ብብድዐ ድማ ረድኤት ኣይቅበልን ትብል ተባሂላ ብገለ ነቐፍቲ ትኽሰስ
ምንስተር ሕርሻ ኤርትራ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ እታ ሃገር ብደርቅን ጥምየትን ኣይተጠቐዐትን፡ ኣብ`ቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብደርቂ ዝተጠቐዓሉ እዋን፡ ኤርትራ ንህዝባ ዝኸውን እኹል መግቢ ኔርዋ`ዩ ኢሎም።
ኣብ ርእስኻ ተኣማሚንካ ብምስራሕ ረድኤት ኣይቅበልን ምባል ብድዐ ክብሃል ኣይግባእን`ውን ኢሎም፡
ምስ ፒተር ክሎቲ ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡