ኤሪ-ስታር - መደብ እግሪ ጉዕዞ ምስ ወለዲ ንኣካላዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ጥዕና

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ኤሪ-ስታር - መደብ እግሪ ጉዕዞ ምስ ወለዲ ንኣካላዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ጥዕና

ኣብ መሪላንድ ዝመደበሩ ኤሪስታር ዝተባህለ ናይ ኤርትራውያን ስፖርት ክለብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን "መገዲ ምስ ወለዲ" ዝብል ናይ እግሪ ጉዕዞ መደብ ኣዳልዩ ኔሩ። ዕላምኡ፥ ወለዲ ምስ ደቆም እናተጓዓዙ ከዕልሉን ኣካላዊን ኣእምሮኣውን ጥዕና ንከማዕብሉን ምዃኑ ኣዳለውቲ ይገልጹ። ኣብቲ ምስ ምብራኽ ኣፍልጦ ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብምትሕሓዝ ዝተዳለወ መደብ፥ ክኢላታት ጥዕና ስነ-ኣእምሮን ሰብ-ሞያ ጥዕና'ውን ተረኺቦም ንወለዲ ኣስተምህሮ ሂቦም ኔሮም።