ኢህወደግ ዝህቦ መሪሕነት 'ሱር ቦቆስ ለውጢ ኣብ ዘመዝግበሉ ብርኪ ኣይበፅሐን' ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

ዋዕላ ኢህወዴግ

ኩነታት መሪሕነት ኢህወዴግ ‘ሱር በቆስ ለውጢ ኣብ ዘምፀአሉ ብርኪ ገና ኣይተበፅሐን።ኪራይ ኣካብነት ብፍላይ ኣብ ከተማታት ልዕልንኡ ምስ ኣረጋገፀ’ዩ’ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ።

ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ኢህወዴግ መደረ ዘስምዑ እቶም ቀ/ሚ ‘ተሳተፍቲ ብመሰረት ዝቀርብ ፀብፃብ፣ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ንዝነበሩ ብሉፃትን ድኹማትን ጎንታት ተመስሪቶምን፣ብዕምቆት ገምጊሞምን ንቀፃሊ ዝረብሕ ኣንፈት ንክንፅሩ ትፅቢት ይግበር’ውን ኢሎም።

ናይ ሎም-ዘበን ጉባኤ ኢህወዲግ፣ኢትዮጵያ ክሳብ 2017 ዓም ናብ ፅፍሒ ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ንምብፃሕ ዘኽእላ ውጥንን ትልምን ኣንፈትን ከፅድቅ’ዩ ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ጉባኤ ኢህወዴግ ኣብ መቐለ ጀሚሩ