ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ካብቲ ምስ ገዛኢ ፓርቲ ዝካየድ ልዝብ ንርእሱ አግሊሉ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ፋይል

ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ካብቲ ምስ ገዛኢ ፓርቲ ዝካየድ ዘሎ ቅድመ ዘተ ንርእሱ ኣግሊሉ።ኻልኦት ንባዕላቶም ዝተኣኻኸቡ ሽዱሽተ ፖለቲካ ፓርትታት ኢትዮጵያ ኣብቲ ልዝብ ንምቕፃልን ዘይምቕፃልን ኣብ ዝመፅእ ኣኼባ ከምዘፍልጡ ሓቢሮም።

መድረኽ ሎሚ ኣብ’ቲ 21 ተቓወምቲ ፓርትታትን ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ዘካይድዎ ዘለው ቕድመ ልዝብ ኣይተረኽበን።

መድረኽ ስለምንታይ ከምዘይተረኽበ ሓበሬታ ኸምዘይብሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ንተሳተፍቲ ተዛሪቦም።

አቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ግን ፓርቶም ካብቲ ልዝብ ዝወጸ ስጉምቲ ክውሰደሎም ዝግባእ ይሕደር ዘይብሃሎ ጉዳያት ምላሽ ስለዘይተረኽበሎም ምኻኑ የብርሁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ካብቲ ምስ ገዛኢ ፓርቲ ዝካየድ ልዝብ ንርእሱ አግሊሉ