በዘይካ ህወሓት ሰለስቲኦም ኣባል ውድባት ኢህወዴግን ኣጋር ውድባትን ብልፅግና ፓርቲ ብዝብል ሽም ዝፅዋዕ ሓደ ሃገራዊ ውድብ መስሪቶምን ኣብ ምምስራትን ይርከቡ።
ናብዚ መደምደምታ ዘብፅሐ መፅናዕቲ ኣብ 2010 ዓ/ም እዩ ተጀሚሩ። ላዕለዎት ክኢላታትን ተመራመርትን ዝሓቖፈት እዛ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ዘመሓድረን ኣርባዕተ ክልላትን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ሕገ መንግስትን እተን ውድባት ዘቐመጥኦም ፖለቲካዊ ዕላማታት ይትግበሩዶ ኣለው ዝብልን ካልኦትን ንምፍታሽ መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ናይታ ጉጅለ መራሕን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተመራማራይን ዶ/ር ሙሉ ነጋ ንቪኦኤ ገሊፆም።
እቲ መፅናዕቲ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ተፅዕኖን ብሳይንሳዊ ናይ ኣፀናንዓ ሜላታትን ከምዝተሰርሐ ዝገለፁ ዶ/ር ሙሉ እቲ ውህደት ኣድልይን ክፍፀም ከምዘለዎን እንተተቐመጠ እውን ቅድሚ ናብ ውህደት ምኻዱ ግን ናይ ኣመለኻኽታ ለውጢ ክመፅእ ከም ሓደ መፍትሒ ቀሪቡ ኢሎም።
‘’ውህደት ኣየድልን ዝበለ የለን፣ውህደት ክህሊ ኩሉ ተሰማሚዑ እዩ።ነገር ግን ኣብ መንጎ እተን ውድባት ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ኣመለኻኽታን ፀገማት ክፍታሕ ከምዘለዎ እዩ ተቐሚጡ’’ኢሎም ዶ/ር ሙሉ።
በቲ ዝነበረ ኣካይዳ ፌደራላዊ ስርዓት ተዳኺሙ እዩ ነይሩ ዝበሉ ንሶም ከም ሃገር ሰባት ክንቀሳቐሱ እንድሕ ዘይክኢሎም፣ልዕልነት ሕጊ እንድሕር ዘይተኸቢሩ፣ሰባት ከምድላዮም ተንቀሳቒሶም ክነብሩ እንተዘይክኢሎም፣እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ሽግር ኣብ ሽግር ከምዝወደቐ ዘርኢ ስለዝኾነ እቲ ውህደት እውን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ እዩ ኢሎም። ‘’እቲ ውህደት ዝፍፀም ነቲ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩን ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት መሰረት ገይሩን እዩ።እቲ ውድብ ክውሃድ ከሎ እውን ነቲ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩ እምበር ከምቲ ዝብሃል ኣሃዳዊ ዝብል ኣብቲ መፍትሒ ሓሳብ የለን ኢሎም’’ኢሎም።
ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5