"ገዛኢ ፓርቲን ተቓወምቲን ንምልዛብ መንጎኛታት ካብ ወጻኢ ሃገራት ኢትዮጵያ ምእታዎም: ካብ መንግስቲ ግን ናይ ድልውነት ምልክት ኣይተራእየን" ዶ/ር መረራ ጉዲና

  • መለስካቸው ኣምሃ
    ገብረ ገብረመድህን

ንገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን ተቓወምቲ ውድባትን ንምልዛብ ካብ ወፃኢ ሃገር ዝመፁ ካህን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝርከቡ ኣቦ ወንበር ተቓዋሚ ውድብ ፌደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።እንተኾን ግን ናብ ሃገራዊ ምርድዳእ ዝወስድ ስጉምቲ ካብ ወገን መንግስቲ ክውሰድ ኣይርኣይን ዘሎ ኢሎም።

ዶ/ር መረራ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ሽማግለታት ዓዲን ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰላምን ልዝብን ከምዘድልይ ብመራኸቢ ማዕኸናት ይዛረቡ እንተሃለው እውን ካብ መንግስቲ ጭቡጥ ምልክት ኣይሰማዕናን ኢሎም።ስሞም ክጠቕሶም ኣይደልን ዝበሉዎም ሽማግለ ድሕሪ ምርጫ 2007 ዓ.ም ዘይዕውት ፃዕሪ ገይሮም ድሕሪ ምባል ኣስዒቦም።

“ሎሚ እውን ካብ ዝመፁ ክልተ ኣዋርሕ ገይሮም ኣለው ይመስለኒ ሓደ ግዜ ጥራሕ ረኺቦምና፣ጭቡጥ ነገር ኣይረኸቡን።ሕዚ እውን ኣብዚ ዘለው ይመስለኒ።ስለዚ ካብ ወረ ዝዘለለ ኣብ ባይታ ዝረአ ናብ ሃገራዊ ምርድዳእ ይኹን ልዝብ ዝወስድ ምልክት ኣይርእን ዘለኹ እዮም ።”

ዶ/ር መረራ ጉዲና ውድቦም ብተደጋጋሚ ፃውዕቲ እንተቕረበ እውን ዛጊድ ግብራዊ ምላሽ ዝሃበና የለን፤ካብ ዲፕሎማሲያዊ ማሕበረሰብ ኣጠቓላሊ እታ ሃገር ዘላትሉ ኩነታት ክርድኡ ሕቶታት ካብ ምቕራብ ንምቅርራብ ዝወሰድዎ ፃዕሪ የለን ኢሎም ።