ሲኖዶስ፡ መረፃ ኤጲስ ቆጶሳት ክልል ትግራይ ደው ክብል ይፅውዕ

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ 9 ሓምለ 2015 ክሳለጥ ተመዲቡ ዘሎ መረፃ ኤጲስ ቆጶሳት ጠጠው ከብሎ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ድሕሪ ዝግበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ርክብ እቲ ተመዲቡ ዘሎ መረፃ ንቤተ ክርስትያን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ ብምባል፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዝደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ነቲ ውሳነ ጠጠው ከብሉዎን ነቲ ፍልልይ ብሰላማዊ መገዲ ከፈትሕዎን ጸዊዖም።

ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ፍልልይን ንምዕራዩ ዝተገብረ ፈተነታትን ውፅኢት ዘይምሃቡ ከም ዘሕዘኖ ዝሓበረ መግለጺ ሲኖዶስ፡ ነቲ ጉዳይ ብሰላም ንምምፍታሕን ንዅሉ ብዘርብሕ መገዲ ፍታሕ ንምንዳይን ኣብ ፃዕሪ ምህላዎም ሓቢሩ። ብዛዕባ’ዚ ናይ ሎሚ መግለፂ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ካብ ብፁኣን ኣቦታት ክልል ትግራይ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።