ምስ ኣልሸባብ ብዝተኻየደ ግጭት 11 ወታሃደራት መንግስቲ ሶማልያ ሞይቶም

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ደቡብ ሶማልያ ኣብ ዝነበረ ብርቱዕ ውግእ ብውሑድ 11 ሰራዊት መንግስቲ ከምዝሞቱ ሰበ ስልጣን ገሊጾም።

እቲ ውግእ ካብ ኪስማዩ ኣብ 60 ኪ/ሜ ርሕቀት ከምዝተካየደ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ክዛረቡ ስለዘይተፈቀደ መንነትቶም ክዕቐበሎም ዝሓተቱ ሰለስተ ሰበ-ስልጣን ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለጽዎ 11 ወትሃደራት ዞባዊን መንግስቲን ከምዝሞቱን 20 ካልኦት ምቁሳሎምን ጠቂሶም።

ሓደ ካብ’ቶም ሰበ ስልጣን 20 ዕጡቃት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ ኣሎ።