ግጭት ሱዳን ንሰደድ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ይፀልዎ

Your browser doesn’t support HTML5

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ትሰዶ መጠን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፅልዋ ከምዘሕደረ ዳይሬክተር መራኸቢታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣቶ መጎስ መኮንን ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ብተወሳኺ ሱዳን ክትከፍሎ ዝነበራ ልዕሊ 70 ሚሊዮን ዶላር ክሳብ ሕጂ ከም ዘይከፈለት እቶም በዓል መዚ ገሊፆም።