ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ

ምእመናን እስልምና ንመበል 1445 በዓል ዒል-ኣድሓ ኣብ በበይኑ ቦታታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ትማሊ ሰንበት ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓትን ሰለማዊ ሃዋሁን ምሕላፉ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቶም።

ድሕሪ ንግደቲ ቅዱስ ስፍራ መካ፡ ብሕሩድን መስዋእቲን ዝጽንበል ዒድ-ኣልኣድሓ፡ ኣብ ስታድዩም ኣዲስ ኣበባ ዓሰርተታት ኣሽሓት ምእመናን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ብኽብ ዝበለ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ምጽንባሉ ወኪልና ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸብጺቡ። ብምኽንያት እቲ በዓል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝዘርግሑዎ ጽሑፍ፡ በቲ ኣጋጣሚ ንስለ ሰላም ዝግበር ኵሉንትናዊ መስዋእቲ ክግበር ጸዊዖም።እቲ በዓል ኣብ መቐለን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ክልል ትግራይን’ውን ብሰላማዊ ሃዋሁን ህዱእ መንፈስን ምብዓሉ ወኪላትና ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሜዳ ባሕሪ መሰከረም ምእመናን ዕዱማትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ብሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር ዝተመርሐ ስነ-ስርዓት ጽንብልን ንኣገዳስነት እታ መዓልቲ ዝመልከት ቃልን ተሰሚዑ።