ኣብ ቱርኪ ብዝተተኮሰ ቦምብ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ቱርኪ ሰሜናዊት ከተማ ዲያርባኪር ሎሚ ዓርቢ ኣብ መኪና ዝተፃወደ ቦምብ ተተኲሱ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ልዕሊ 100 ድማ ምቑሳሎም መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ጥቓ መደበር ፖሊስ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ንተቓወምቲ ኣባላት ፓርላማ ዝኾኑ ምእሳሮም ስዒቡ እዩ።ፀጋማይን ገስጋሳይን ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎም ፖለቲከኛታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ሎሚ ለይቲ ተኣሲሮም ኣለው።

ብሕጊ እታ ሃገር ዝተኣገደ ናይ ኩርዳዊያን ሰራሕተኛታት ፓርቲ/PKK/ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰበስልጣን ቱርኪ ቀንዲ ደገፍቲ ናይ ኩርዲ ፓርቲ ንዝኾኑ 12 ኣባላት ፓርላማ ሎሚ ዓርቢ ምእሳሮም ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ዩናይትድ ስቴትስን ተቓውሞ ገጢሙዎም ኣሎ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ መቭሉት ካቩሶግሉ ንተቓውሞ ሕብረት ኣውሮጳ ዘይቅቡል ክብሉ ነቒፎምዎ።ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ንኩርዳዊያን ሰራሕተኛታት ፓርቲ/PKK/ ይድግፉ እዮም ክብሉ ኸሲሶም ኣለው።እቶም ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ልዕልነት ሕጊ ብዝምልከት ካብኦም ትምህርቲ ኣየድልየናን ክብሉ እውን ተዛሪቦም ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ቱርኪ ብዝተተኾሰ ቦምብ ሸሞንተ ሰባት ምሟቶም ካልኦት ልዕሊ 100 ምቑሳሎም ተፈሊጡ