ኢሰመኮ ሞት፡ዕንወትን ማእሰርትን ኣብ ግጭት ዝካየደሉ ዞባታት ኢትዮጵያ ምቕጻሉ ሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ) - ፋይል

ግጭት አብ ዝራኣየሎም ዞባታት ኢትዮጵያ፣ ብዘይ ፍርዲ ምቅታል፣ ሞት ሰላማዊያን ሰባት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ዕንወትን ዘረፋን ንብረት፣ ብሃውሪን ብጅምላን ዝተናወሐን ማእሰርቲ፣ ኣገዲድካ ምስዋር፣ ጭውያን ካልኦት ገበናትን ከምዝቀጸሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ናይ ርብዒ ዓመት ሪፖርት ሎሚ ዓርቢ ዝዘርገሐ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መስከረም ሓይልታት መንግስቲን ፋኖን ኣብ ጎንደር ብሰንኪ ዘካየድዎ ግጭት ብውሑድ 10 ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቀተሉ ይሕብር።

ምንጭታት ሆስፒታል ድማ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሽዱሽተ ህጻናትን ሓዊሱ 32 ሰባት ምቁሳሎም ሓቢሮም ኣለው። ኣብ ካልኦት ዞባታት ክልል ኣምሓራ ተፈጺሞም ዝባሃሉ ግፍዒን ጥሕሰት መሰላትን’ውን ኣብቲ ሪፖርት ተጠቃሊሎም ኣለው።

እቲ ሪፖርት ወሲኹ ኣብ ክልል ጋምቤላ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያን ዓፋርን ብዛዕባ ዘጋጠመ ጉድኣት ኣብቲ ሪፖርት ኣስፊሩ'ሎ።