ኢሰመኮ ንምምላስ ተመዛበልቲን ዳግመ ህንፀት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ክልል ትግራይ ይፅውዕ

Your browser doesn’t support HTML5

ኢሰመኮ ንምምላስ ተመዛበልቲን ዳግመ ህንፀት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ክልል ትግራይ ይፅውዕ

ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ስራሕ ዳግመ ህንፀት ክቀላጠፍ ይግባእ ክብል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፀዊዑ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ዝገበሮ ዳህሳስ ስራሕ፡ ሎሚ ሰሉስ 20 የካቲት 2024 ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ምምላስ ተመዛበልቲ፡ ዳግመ-ህንፀትን ምሕዳስን ስርዓተ-ትምህርቲን ኣገልግሎት ጥዕናን ካብቲ ቀዳምነት ተዋሂቡሉ ክስርሓሉ ዘለዎ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።