ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ኣብ ዝረኣየሎም ከባቢታት ዝፍጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ሎሚ’ውን ዘተሓሳስቡ ኮይኖም ይቅጽሉ ከምዘለው ትካል ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ዝኾነ ኢሰመኮ ኣፍሊጡ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ብርክት ዝበሉ ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቀትሉ፣ ብዙሓት ጉዱኣት ኣካል ከምዝኾኑ፣ ከምኡውን ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ንብረት ምውራዱ ገሊጹ።
ብመሰረት ናይ ርብዒ ዓመት ሪፖርት ኢሰመኮ ‘ዘይሕጋዊ ቅትለት፣ ኣብ ግጭት ዝካየደሎም ከባቢታት ዝረኣይ ሞት ሰላማዊያን ሰባት፣ ናይ ኣካል ጉድኣት፣ ዕንወትን ስርቂን ንብረታት፣ ብሃውሪ ዝፍጸም ጅምላዊን ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝጸንሕን ማእሰርቲን ፍትሒ ምስኣንን፣ ኣስጋዳድ ምስዋር፣ ጭውያ፣ ኣብ ልዕሊ መሰል ምንቅስቃስን መጉዓዝያን ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ገደብን፣ ምፍንቃልን ከምዝተፈጸመ’ እቲ ኮምሽን ጠቂሱ።