ግብጺ፡ ናብ ሃገራ ዝፈስስ ትሕዝቶ ማይ ፈለግ ኒል ከጎድል'ዩ ዝብል ስግኣታ ትገልጽ

Your browser doesn’t support HTML5

ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመታት ምንጪ ማይ ግብጺ ፈለግ ኒል ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ሓረስቶት ግብጺ ምስ ምህናጽ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ህዳሴ ግድብ ናብ ሃገሮም ዝፈስስ ትሕዝቶ ማይ ከይጎድል ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ ኣለው። ኢትዮጵያ ምህናጽ እቲ ግብድ ዓብይ መመንጨዊ ጸዓት ንኣፍሪቃ ከምዝኸውን ትገልጽ። ሰበ ስልጣን ግብጺ ብወገኖም ንዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት ማይ ንምፍታሕ ረሳሕ ማይ ብምጽራይ ዳግማይ ንምጥቃም ዝሕግዙ መደባት የተኣታትው ኣለው።