ግብጺ ዜጋታታ ናብ ሶማሊላንድ ከይገሹ ተጠንቅቕ

ዜጋታት ግብፂ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንከይገይሹ ኤምባሲ ግብፂ ኣብ ሶማል ኣጠንቂቁ::

መበገሲ እቲ መጠንቀቂ ኣብ'ቲ ከባቢ ይረኣ ዘሎ ፀጥታዊ ስግኣት ምኳኑ እቲ ኤምባሲ ጠቂሱ::

ኣብዚ ቀረባ መግለፂ ዘውፀአት ሶማሊላንድ ስራዊት ግብፂ ኣብቲ ከባቢ ምውፋሮም ከምዘተሓሳሰባ ምግላፃ ዝዝከር እዩ::

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ግዝኣታ ንክወፁ ሶማል ከምዝሓተተት እውን ዝፍለጥ እዩ::