ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ ግብጺ ሶማል ምእታዋ ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ

ሞቃዲሾ ዝኣተወት መርከብ ግብጺ

ኣጽዋራት ውግእ ዝጸዓነት መርከብ ግብጺ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ ሶማል ከም ከምዝዓረፈት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሶማል ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ክዛረቡ ኣይደለዩን፡ እንተኾነ ኣጽዋራት ክራገፍ ከሎ ነበርቲ ስእልታት ወሲዶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሖም ኣለው።።

ሚንስተር ምክልኻል ሶማል ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር፡ ኣብ ረብሓናን ምርጫ መሓዙትናን ናይ ካልኦት ውሳነ ኣይንጽበን ኢና ዝብል መልእኽቲ ኣብ ፈይስቡክ ማሕበራዊ ሚድያ ኣውጺኡ'ሎ።

ኣባል ባይቶ ሶማል ሙርሳል ኻሊፍ ብወገኑ ምሕዝነት ሶማልን ግብጽን ንዝኾነ ሰብ ሓዲሽ ክኾኖ የብሉን ኢሉ። ንሱ ኣስዒቡ፡ ሶማል ንምኽባር ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ንመሓዙታ ሓገዝ ክትሓትት መሰላ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ግብጺ ድማ ንሶማል ወይ ኢትዮጵያ ዝግባእ መሬት ኮነ ባሕሪ ክትወስድ ኣይደለየትን፡ ንዶብ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትቅይር`ውን ድልየት የብላን ኢሉ።

ግብጺ ዛጊት ኣብ ሶማል ወተሃደራት ኣየእተወተን፡ ግን ኣካል`ቲ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ዝቐውም ዓቃቢ ሰላም ሶማል ክኾኑ ሶማል ክትሓትት ጸኒሓ`ላ።