ኣሽሓት ደገፍቲ ሞርሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ ውዒሎም

A protester, who supports former Egyptian President Mohamed Mursi, chants slogans during a rally near Cairo University after Friday prayers in Cairo July 5, 2013. Islamist allies of ousted president Mursi called on people to protest on Friday to express o

ኣሽሓት ደገፍቲ ብሓይሊ ናይ ዝተባረሩ ፕሬዝዳንት መሓመድ ሞርሲ ብወታደራዊ ሓይሊ ካብ ስልጣኖም ምብራሮም ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ናይ ካይሮ መስጊድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።ኣብ ወደባዊት ከተማ ኣሌግዛንድሪያ’ውን ደገፍቲ ሞርሲ ተሰሊፎም።እስላማዊያን ነቲ ተቓውሞ ናይ ‘’ቑጥዐ ማዕልቲ’’ ኢሎምዎ።ገለ ህውከት ከምዝነበረ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ካይሮ ታንክታትን ናይ ፅዕነት መኻይንን ኣብ ጥቓ መንግስታዊ ህንፃታት ቦታ ሒዘን ይርኣያ።ደገፍቲ ሞርሲ ናብ ምንስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ከይኣትው ንምክልኻል ወታደራት ንናይ መፈተሺ ኖቕጣታት ይቆፃፀሩ።

ሓድሽ ናይ ስግግር ፕሬዝዳንት ኣድሊ ማንሱር ናይ ሞርሲ እስላማዊ ሕውነት ኣብ ከይዲ ምፅሓፍ ሓድሽ ሕገመንግስትን ሓድሽ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫን ክሳተፍ ተስፋ ከምዘለዎም ፍንጪ ሂቦም ኣለው።

ወሃቢ ቃል እስላማዊ ሕውነት ኢስላም ኣብድል ራሕማን ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ግን ውድቦም ንቕድሚት ኣብ ዝካየድ ፖለቲካዊ ከይዲ ከምዘይሳተፍ ገሊፆም።’’ብታንክታት፣ሄሊኮፕተራትን ወታደራዊ ጀነራላትን ንዝዕብለል ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ከይዲ ኣንኣምንን።’’

ኣብ ግብፂ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ስለዝኾነ እስላማዊ ሕውነት ብዘይ ህውከት ክፍታሕ ተስፋ ኣለዎ ይብሉ ዓብድል ራሕማን።
ብረት ብምልዓል ወይ ብኻሊእ ተመሳሳሊ መንገዲ ኣይንኣምንን፤ሕዚ’ውን ግብፂ ብሰላማዊ ኣገባብ ክትፈትሖ ተኽእሎ ኣለዋ ኢልና ኢና ንኣምን ኢሎም።

ብኻሊእ ዜና ዕጡቓት ኣብ ናይ ግብፂ ሰሜናዊ ሲናይ ኣንፃር ወታደራዊ ሓይሊ ንምውጋእ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ የጣይሹ ከምዘለው ገሊፆም።

ፕሬዝዳንት ዝነበሩ መሓመድ ሞርሲ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብዘስምዕዎ መደረ ‘’ኣብ ልዕሊ ናይ ባዕለይ ህዝቢ ጂሃድ ኣይእውጅን እየ’’ ኢሎም ኣለው።ሕጋውነት መንግስቶም ንምክልኻል ግን ክስዋእ እየ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብታ ሃገር ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክሳብ ዝምለስ ሎማዕንቲ ዓርቢ ንግብፂ ካብ ኣባልነት እቲ ውድብ ኣጊዱዋ’ሎ።
ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ሰበስልጣንን ግብፅን ካልኦትን ዝዘራረብ ዝለዓለ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ግብፂ ክሰድድ እየ ኢሉ’ሎ።

ሕብረት ኣፍሪካ ንካልኦት ሰለስተ ኣባላት ማለት እውን ንማዳጋስካር፣ሪፓብሊክ ማእኸላይ ብራቕን ንጊኒ ቢሳዎን ኣጊዱወን ይርከብ።