ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝምራሕ ልኡኽ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብጺሑ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደለቲ ዝመርሖ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ቐዳም 14 መስከረም 2024 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኣስመራ ብምጉዓዝ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተራኸበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣካፊሉ።
President Isaias Afwerki met, in the early afternoon hours today at Denden Guest House, Egyptian delegation led by Foreign Minister, Dr. Badr Abdelatty.In the extensive meeting - which is part and parcel of the periodic Consultative Forums that both countries hold in Asmara… pic.twitter.com/3G61cqjxn7
— Yemane G. Meskel 🇪🇷 (@hawelti) September 14, 2024
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዞባዊ ከባብያዊን ጉዳያት ኣመልኪቶም ከም ዝተዛራረቡ ዝጠቐሰ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል፡ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ-ባሕሪን ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ።
ድሕሪ መዘከር ስምምዕ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያውን ኣብቲ ዞባ ዝተሓደሰ ምትፍናን ዳግመ-ስርርዕ በበይኖም ሓይልታት ዝማዕበለ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ጥራይ ተደጋጋሚ ስሉሳዊ ርክብ ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ሶማልን ኤርትራን ክርአ ጸኒሑ ኣሎ።