ሚ/ጉ/ወጻኢ ግብጺ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ

  • ዜና ቪኦኤ

ሚ/ጉ/ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደለቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ኣስመራ ኤርትራ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝምራሕ ልኡኽ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብጺሑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደለቲ ዝመርሖ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ቐዳም 14 መስከረም 2024 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኣስመራ ብምጉዓዝ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተራኸበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣካፊሉ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዞባዊ ከባብያዊን ጉዳያት ኣመልኪቶም ከም ዝተዛራረቡ ዝጠቐሰ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል፡ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ-ባሕሪን ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ።

ድሕሪ መዘከር ስምምዕ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያውን ኣብቲ ዞባ ዝተሓደሰ ምትፍናን ዳግመ-ስርርዕ በበይኖም ሓይልታት ዝማዕበለ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ጥራይ ተደጋጋሚ ስሉሳዊ ርክብ ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ሶማልን ኤርትራን ክርአ ጸኒሑ ኣሎ።