ዋሽንግተን —
ኣብ ግብጺ ካልኣይ መዓልቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሎሚ ሰኑይ ክካየድ ውዒሉ'ሎ። ብዙሕ ውድድር ኣይገጠሞምን ዝበሃሉ ዘለው ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ኣብዚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እንተተዓዊቶም ክሳብ 2030 ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ይኽእሉ'ዮም።
እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝካየድ ዘሎ ምሃብ ድምፂ 105 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ዝሓዘት ግብፂ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ዝሓየለሉ እዋን እዩ። ብመሰረት ወግዓዊ ኣሃዝ ሓደ ሲሶ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ድኽነት ይነብር።
ካብ መረፅቲ ሓደ ኻሊድ ዓብደልሳዲቅ ከም ናይ ሃገሩ ምርግጋእ ዘገድሶ ግብፃዊ ዜጋ መጠን ናይ ምምራፅ ግብኡ ይፍፅም ከምዘሎ ርእይቱ ሂቡ።
ጠንቂ እቲ ቅልውላው ዝረኣ ዘሎ ብግጉይ ኣተሓሕዛ ቁጠባ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቁጠባ ዓለም ዘናወፀ ለበዳ-19ን ኲናት ሩሲያን ዩክሬይንን ‘ዩ።
እቲ ምርጫ በቲ ኣብ ቓዛ ይካየድ ዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስ'ውን ተዓብሊሉ ይርከብ።