ዋሽንግተን —
ኣብ ጉዳይ ህንጸት ናይ ህዳሴ ግድብ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ውጥረት ንምፍታሕ ዓለምለኸ ባንክ ጣልቃ ክኣትው ግብጺ ጻውዒት ኣቕሪባ።
ግብጺ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበት ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ሳማሕ ሻኩረይ ምስ ናይ ኢትዮጵያ መዘነኦም ወርቅነህ ገበያሁ ትማሊ ሶሉስ ኣብ አዲስ ኣበባ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን’ዩ።
እዚ ትማሊ ሶሉስ ዝተኻየደ ርክብ ሰበ ስልጣን ክልቲኣን ሃገራት ድሕሪ ናይ 10 ኣዋርሕ ልዝብ ምኳኑ ኮይኑ ኣብቲ ኣቐዲሙ ክኻየድ ዝጸንሓ ልዝብ ሱዳን’ውን ከምዝተሳተፈት ይፍለጥ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኢትዮጵያ ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ ነቲ ናብ ግብጺ ዝፈስስ ትሕዝቶ ፈለግ ኒል ከምዘየጉድል ትገልጽ።
ብተወሳኺ ህንጸት እቲ ግድብ ኣድላይ ምዃኑን ንኣስታት 60 ሚልዮን ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ዘይረኽብ ዝነበረ ህዝቢ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ዝህብ ምዃኑ ኢትዮጵያ ትሕብር።
ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ ወርቅነህ ገበየሁ ኢትዮጵያ ንጻውዒት ግብጺ ከምትሓስበሉ ብምግላጽ ህንጸት እቲ ግድብ ግን ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘይህልዎ ሓቢሮም።
ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ ልዕሊ 63 ሚእታዊት ምዝዛሙ’ውን ተገሊጹ’ሎ።