ቢልየነር ተጓዓዚ ጠፈር ናብ መሬት ተመሊሱ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ቢልየነር ተጓዓዚ ጠፈር ናብ መሬት ተመሊሱ

ንጃረድ ኣይሳክማን ምስ ብጾቱ ሒዛ ኣብ ጠፈር ዝቐነየት ስፐይስ ኤክስ ዝተባህለት መንኮርኮር ኣብ ጥቓ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ወሽመጥ መክሲኮ ብሰላም ዓሊባ`ላ። ብዘይካ ኣስትሮናት ናሳ፡ ብውልቂ ከምዚ ዓይነት ጉዕዞ ጠፈር ክግበር ንመጀመርያ ግዜ `ዩ።

ቢልየነር ጃረድ ኣይሳክማን ምስ ብጾቱድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ካብ ጠፈር ናብ መሬት ተመሊሶም ኣለዉ። እታ መንኮርኮር ካብ መሬት 1,408 ኪ.ሜ እያ ልዒላ ቀንያ። ካብቲ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈርን ካብቲ ሃብል ተለስኮፕ ጠፈር ዝርከቦ ርሕቐትን`ውን ልዒሎም እዮም ቀንዮም- ኣብኡ ኣብ ልዕሊ መሬት ኮይኖም ድማ 740 ኪ.ሜ ዑደት ጌራ።