ቅልውላው ኢቦላ ዶባትን መዕረፎ ነፈርትን የዕፅው ከምዘሎ ተፈሊጡ

ቅልውላው ኢቦላ ምዕራብ ኣፍሪካ ዶባት ንኽዕፀውን በረራታት ዓለምለኸ መንገዲ ኣየራት ጠጠው ንኽብሉን የገድድ ኣሎ።ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት እውን ምዝንጋዕ ይፍጥር ኣሎ ተባሂሉ።

ሰኔጋልን ኣይቮሪ ኮስትን መዕረፎ ነፈርትን ብኢቦላ ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ንዝመፃ ነፈርቲ ዓፂየን ኣለዋ።ካልኦት ብዙሓት መንገዲ ኣየራት እውን ኣብ ዋና ከተማታት ጊኒ፣ሲየራ ሊዮንን ላይበሪያን ይህብኦ ዝነበራ ኣገልግሎታት ከምዘቋረፅኦ ተፈሊጡ’ሎ።

ትካል ጥዕና ዓለም /WHO/ እቶም ይውሰድ ዘለው ናይ ምቁራፅ ስጉምትታት ኢቦላ ንከይጋፋሕ መልሲ ኣይኮነን ይብል።ብፍላይ ድማ እቲ ሕማም ኣብ እዋን በረራ ብኣየር ናይ ምትሕልላፍ ዕድሉ ዝተሓተ እዩ፤ምስ ፋሳሲን ደምን ብምትንኻፍ እዩ ዝመሓላፍ ይብል እቲ ትካል።

ኣብ ዓለምለኸ ፌደረሽን ቀይሕ መስቀልን ማሕበረሰብ ቀይሕ ወርሕን ናይ ኣፍሪካ ዳይረክተር ዝኾኑ ኣላሳን ሰንሆር ትካሎም ናብን ካብን እተን ዝተተንከፋ ሃገራት ኣቑሑት ምምልላስ ኣይተኽኣለን ኢሎም።

ኩነታት እዘን ሃገራትን ምዕፃው ዶባትን ነቲ ሽግር ኣፀጋሚ ይገብሮ ከምዘሎን ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ክባርን ግዜ ዝበልዕን ኣገባብ መጎዓዚያ ማለት እውን መኪና ንጥቀም ዘለና ኢሎም።
ሰኔጋል ናይ ሕቡራት መንግስታት ናብ ዳካር ዝገብሮም በረራታት ድሕሪ ምዕፃዋ ኣደዳ ነቐፌታ ትካላት ረድኤት ኮይና’ላ።

ዕዳጋ ኣቪየሽን ምዕራብ ኣፈሪካ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብቕልጡፍ ክዓቢ’ዃ እንተፀንሐ እቲ ናይ በረራ እገዳ ነቲ ዕብየት ክሃሲዮ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቐሎት ፈጢሩ’ሎ።

መንገዲ ኣየር ኬንያ፣ኣሪክ ኤየርን ናይ ኮት ዲቫር ኣየርን ዝኣመሰላ ኩባኒያታት በብሰሙኑ ይፍፅምኦ ዝነበራ ዓሰርተታት ጉዕዞታት ካብ ዝሓለፈ መጀመሪያ ወርሒ ነሓሰ ኣቛሪፀንኦ ኣለዋ።

ምንስቴር ፋይናንስ ላይበሪያ ኣማራ ኮነህ ነታ ሃገር ከምዘላ ብምግላል ንበረራታት ምቁራፅ ንቁጠባ እታ ሃገር የማስነሎ ኢሎም።
እቲ ናይ በረራታት እገዳ ንቁልፊ ዘፈራት ዕደናን ሕርሻን እተን ሃገራት እናሃሰየ ይርከብ።

ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ናብተን ብኢቦላ ዝተጠቕዓ ሃገራ ዝተገብረ እገዳ ጉዕዞ ክብቅዕ ሕብረት ኣፍሪካ ፀዊዑ’ሎ።