ዋሽንግተን —
ሰኑይ 3 ሓምለ 2023 ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሙቐት ዝተመዝገበሉ መዓልቲ ከምዝኾነት ካብ ማእከል ትንበያ ኩነታት ኣየር ኣመሪካ ዝተረኽበ ኣሃዛዊ መረዳእታ ይሕብር።
ኣብዛ መዓልቲ ዝነበረ ማእኸላይ መጠን ዋዒ ዓለም 17.01 ዲግሪ ሰንትግረይድ ወይ ከኣ 62.62 ዲግሪ ፈረንሃናይት'ዩ። እዚ ካብቲ ኣብ ነሓሰ 2016 ተመዝጊቡ ዝነበረ 16.92 ዲግሪ ሰንትግረይድ ወይ ከኣ 62.49 ዲግሪ ፈረሃናይት ብምሕላፍ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሙቐት ዝተራእየሉ ኮይኑ'ዩ።
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ከተማ ፊኒክስ ብሰኑይ ዝተመዝገበ መጠን ሙቐት 116 ዲግሪ ፈረሃናይት ኣብ ቴክሳስ 119 ዲግሪ ፈረሃናይት ተመዝጊቡ'ሎ። ኣብ ቻይና ልዕሊ 35 ዲግሪ ሰንትግረይድ ኣብ ኣፍሪቃ 50 ዲግሪ ሰንትግረይድ ወይ 122 ዲግሪ ፈረሃናይት ተመዝጊቡ'ሎ።
ኣብ ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ዋዒ ዝሓመሙ ሰባት ከምዝነበሩ'ውን ተገሊጹ'ሎ።