ዋሽንግተን —
ኣብ ኣመሪካ ምርጫ ክካየድ ሰሙናት ኣብ ዝተረፈሉ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ኣብ ናይ 2024 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ወሳኒት ዓውደ ግጥም እያ። ክልቲኦም ተወዳደርቲ ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን ኣብዛ ክፍለ ግዝኣት ምዕዋት ማለት ናብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ንምእታው ቀልፊ ተራ ኣለዋ።
ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ነቲ ኣብ ዳግላስ ኣሪዞና ኣብ እዋን ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝተሰርሐ መንደቕ ብኣካል ብምኻድ ተዓዚበንኦ። ፀኒሑ ኣብ ዳግላስ ኣብ ዝካየድኦ ወፍሪ ምርጫ ሃሪስ እታ ሃገር ዶባታ ክትሕልው ኣለዋ ኢለን። ንሕጋዊያን ስደተኛታት ዝግበር ኣቀባብላ ድማ ዝሓሸ መገዲ ክህልው ኣለዎ ኢለን።