ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን ብዙሓት ደገፍቶምን ብዘይዝኾነ መርትዖ እቲ ናይ 2020 ምርጫ ተሰሪቁ'ዩ: ኣብ 2024'ውን ተመሳሳሊ ክፍጸም ይኽእል'ዩ ክብሉ የጠንቅቑ'ለው።
ዲሞክራሲያዊያን ሪፑብሊካንን ሓለፍቲ ምርጫ ክፍለ ግዝኣት ሚቺጋን ግን ነዚ ክሲ ኣይተቀበልዎን ጥራይ ዘይኮነስ ኣመሪካውያን ዝህብዎ ድምጺ ውሑስ ምኻኑ ንምርግጋጽ ይሰርሑ'ለዉ።