መስርሕ ፍርዲ ኣብ ናዕቢ ኤርትራዊያን ኣብ ኔዘርላንድስ ዝተሳተፉ ውልቀሰባት በዓይኒ ጋዜጠኛ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ምስ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ወርሒ የካቲት ኣብ መንጎ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራን ፖሊስ'ታ ሃገርን ዝጋጠመ ጎንጺ ተታሓሒዙ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ቐይዲ ድሕሪ ምእታው መስርሕ ፍርዲ ተኻይዱ።ቤት ፍርዲ ኔዘርላንድ ( ሆላንድ) ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኤርትራውያን ብይን ሂቡ’ሎ። ነዚ ጉዳይ ፍርዲ ብቀረባ ዝተኸታተሎን ዝከታተሎን ዘሎ ኤርትራዊ-ሆላንዳዊ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮሃንስ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝርኣዮን ዝሰምዖን ከካፍለና ዓዲምናዮ’ለና።