ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ኦሮምያን ሶማልን ተራእዩ ዘሎ ደርቂ ናብ ሕሱም ጥምየት ክቕየር ይኽእል’ዩ ክብሉ ትካላት ረድኤት የጠንቕቑ ኣለው።
ዋሽንግተን —
ኣብዚ ሰዓት’ዚ ከብቶም ይሞታ ከምዘለዋ ዝገለጹ ሓረስቶት ቦረና ዋጋ መሸጣ ከብቲ’ውን ኣዝዩ ምውራዱ የማርሩ።
መንግስቲ ካብ ለገስቲ ህጹጽ ረድኤት ሓቲቱ’ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ 5.7 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት የድልዮ’ሎ።እዚ ቑጽሪ’ዚ ኸአ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብሓደ ሚእቲ ሽሕ ወሲኹ’ሎ።እቲ ደርቂ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ሶማል፡ኣምሓራ፡ ዓፋን ደቡብን እዩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ክልል ኦሮምያን ሶማልን ዘጋጠመ ደርቂ ናብ ሕሱም ጥምየት ከይቕየር ትካላት ረድኤት የጠንቕቑ