ተክኖሎጂካዊ ሰንዓ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ንቀዳማይ ብልጫ በቒዓ

ተክኖሎጂካዊ ሰንዓ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት

ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ብምስራሕ ቀዳማይ ብልጫ ዝተዓወተ መንእሰይ ካብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሽልማት ተቐቢሉ።

ፒትያስ ጸጉ ይብሃል፡ ሎሚ ዓመት ካብ ናይ ኤርትራ ኢንስቲቱት ተክኖሎጂ ብኤለክትሪካል ኤለክቶርኒክስ እንጅነሪንግ ተመሪቑ።

ኣብ ሓይሊ-ኣየር ኤርትራ ድማ ንሓደ ዓመት ሰልጢኑ።

ንሱ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ማለት ድሮን ብምስራሕ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ መስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ ካብ ዝቐረቡ ተክኖሎጂካዊ ሰንዓታት ቀዳማይ ብልጫ ክዕወት ክኢሉ`ሎ።

ፒትያስ ጸጉ ሰናዒ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት



ፒትያስ፡ ነታ ዝሰርሓ ድሮን ምስ ኮምፒተሩ ብምርኻብ ካብ ኣየር ስእልን ጸብጻባትን ክተምጽኣሉ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

“ ኣብ ቀጻሊ ሓደሓደ መልእኽቲታት ንምብጽጻሕ ክተገልግል`ውን ተስፋ እገብር” ይብል መንእሰይ ፒትያስ ጸጉ ።

Your browser doesn’t support HTML5

Eritrea-Drone