ርእሰ ጉዳይ ማእኸል ሕክምና ዶክተር ማርቆስ

Your browser doesn’t support HTML5

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ብሓደ ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ትግራይ ዝውነን ማእኸል ሕክምና ዶክተር ማርቆስ ሃገራዊ መለክዒ ጥዕና ኣጉዲሉ እዩ ከምውጽኢቱ ድማ ንሓደ ዓመት ንኽዕፆ ከምዝኣዘዘ ይዝከር፡፡ ዶክተር ማርቆስ ድማ እዚ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ስብእናይ ዝተወሰደ ስጉምቲ እዩ ክንትብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንድምፂ ኣሜሪካ ዝሃቦ ምላሽ ኣቕሪብና ኢና፡፡