ሓድሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካን ዝትግብርዎ ፖሊሲ ወጻኢ ንኣፍሪቃን (2 ክፋል)

ዶናልድ ትራምፕ

ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ጆን ትራምፕ፣ መበል 45 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ቃለ መሓላ ዝፍጽምሉ ዕለት 20 ጥሪ 2017 ዓም እዩ። ንሶም ንኣባላት ካቢነን ሹመኛታት ምምሕዳሮምን ኣብ ምሕራይ ተጸሚዶም ኣለው።

ንኣፍሪቃ ዝምልከት ዝትግብርዎ ፖሊሲ ወጻኢን ሕጊ ኢምግረሽንን መዘራረቢ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ገይርናዮ ኣለና ሎሚ’ውን። ኣጋይሽና፣ ኣብ ወፍሪ ምረጹኒ ንደምበ ዶናልድ ትራምፕ ይሰርሕ ዝነበረ ኣቶ ላባን ስዩምን ካብ ኦሃዮ ንሂለርይ ክልንትን ዝመረጸ ኣቶ ሃብታይ ዕቁባዝጊን’ዮም።

ምስ ኣቶ ላባን ስዩምን ኣቶ ሃብታይ ዕቁባዝጊን ዝተካየደ ቃለ መጠይቅ ዝመጽእ ረቡዕ ካብ’ቲ ዝተቛረጸሉ ቦታ ክቅጽል’ዩ።

Your browser doesn’t support HTML5

ፖሊሲ ምምሕዳር ትራምፕ ናብ ኣፍሪቃ