'ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝቀንዐ ሓድሽ ፖሊሲ'ዶ የድልያ?' ክትዕ ኢትዮጵያዊያን 1ይ ክፋል

Ethiopia - Eritrea

ኣማኑኤል ገብረ ትንሳኤ 'መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ'ዘን ዝሓለፋ 18 ዓመታት ዝተግበሮ ፖሊሲ ኣርባዕተ መቃን ሒዙ ከምዝጸንሐን 'መንግስቲ ኢርትራ ንሰላማዊ ኣንፈት እንተተቐቡሉ ጽቡቅ፣ ተዘየለ ድማ ዓቅሙ ኣዳኺምካ ስግኣት ናብ ዘይኮነሉ ብርኪ ምውራድ፣ ካብ ህዝቡ ንክግለል ምግባር፣ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ምንጻልን ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ንዝነበረ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ምስራሕን' ዝብሉ ምኻኖም ይገልጽ።

ብመንጽር'ዚ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ውጽኢታዊ ነይሩ፣ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ለውጢ ፖሊሲ ክገብር'የ ክብል ከሎ ግና እቲ ዝሓለፈ ፖሊሲ ግጉይ'ዩ ነይሩ ኢሉ ስለዝኣመነሉ ኣይኮነን' ይብል።

ተስፋኪሮስ ተረፈ ብወገኑ 'ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ ኣዋጅ ይትግበር ኣሎ፣ እዚ ማለት መንግስቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ብቀጥታ ኣይውጋእ'ምበር ንኩለን ጸጥታዊ ስግኣታት ኢትዮጵያ መንቀሊኡ ካብ ኤርትራ'ዩ ስለዚ ኢትዮጵያ ሰላም ረኺባ ኣላ ክትባሃል ኣይካኣልን' ይብል።

'በሰላ ነዊሕ ጊዜ'ዩ ተፈጢሩ ዘሎ፣ እዚ ድማ ውጽኢት ኣይሰላም ኣይኩናት'ዩ፣ ኣብ ኪሳራ ኢና ዘለና። መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ኣይተሰመዖን ነይሩ። እቲ ጾር ህዝቢ ስለዝተሰከሞ ኣይተሰመዖን ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ስልጣኑ ክሳብ ዘይተነቓነቐት ኣይተሰመዖን ጸኒሑ። ጸይሩዎ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ። ህዝቢ ኤርትራ ስለዝተሰከሞ። ፈቆዶ ስደት፣ ፈቆዶ ሞትን ከርተትን'ዩ ዝርከብ' በለ ተስፋኪሮስ።

Your browser doesn’t support HTML5

1ይ ክፋል 'ኣድላዪነት ለውጢ ፖሊሲ'