ምስ ኤችይቪ ዝነብራ ኣዴታት ደቀን ከጥብዋ ከምዝኽእላ ዝሕብር ሓድሽ መጽናዕቲ ወጺኡ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ምስ ኤችይቪ ዝነብራ ኣዴታት ደቀን ከጥብዋ ከምዝኽእላ ዝሕብር ሓድሽ መጽናዕቲ ወጺኡ

ሓደ ላዕለዋይ ጉጅለ ሓኻይም ኣመሪካ ምስ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዝነብራ ኣዴታት ንደቀን ጡብ ከጥብዋ ምኽኣል ብዝምልከት ሓደ ዓብይ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ይገብር’ሎ።

ኣመሪካን ኣካዳሚ ኦፍ ፔድያትሪክ ማለት ማሕበር ምሁራት ሓኻይም ቆልዑ ኣመሪካ ኣብ ሓድሽ ፀብፃቡ ነቲ ኣብ 1980’ታት ኣብ እዋን ለበዳ ኤችኣይቪ ዝነበረ መምርሒ ቀይርዎ’ሎ።

እቶም ነቲ መፅናዕቲ ዝገበሩ ኣካላት እቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ መድሃኒታተ ንኣዴታትን ህፃናትን ዘርብሕ ኣዝዩ ውፂኢታዊ ብምኻኑ ነዚ ሓበሬታ ውሳነ ዘሕለፉ አካላት ክዋስእሉ ኣድላይ ብምኻኑ ነዚ ሓሳባት ነካፍለሉ ደረጃ በፂሕና’ለና ኢሎም’ለዉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘለዋ ኣዴታት ፀረ- ረትሮቫይራል ማለት ፀረ’ቲ ቫይረስ መድሃኒት እናወሰዳ ደቀን ከጥብዋ ክመክር ፀኒሑ’ዩ።