ሚኒስትር ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ንክኾኑ ይወዳደሩ ኣለው።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንውድብ ጥዕና ዓለም ክመርሕ ዘለዎ ኣፍሪቃዊ ክኾን ኣለዎ ዝብል ኣባሃህላ ከምዘሎ ኣይቅበልዎን።
ንሶም ናብ’ዚ መዝነት’ዚ ንክበፅሑ ዘኽእሎም ሃገራዊ፣ ዓለም-ለኻዊን ዲፕሎማስያዊን ተመክሮ ስራሕን ስለዘለኒን’ዩ ይብሉ። ኣፍሪቃዊ ስለዝኾንኩ’ውን ንፀገማት ጥዕና ሓድሽ መኣዝን ኣጠማምታ ከተኣታትወሉ ይኽእል’የ ይብሉ ንሶም፣
ቀፃሊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ንዓመታ ኣብ ዝሳለጥ ዋዕላ’ቲ ውድብ ክምረፅ’ዩ።
Your browser doesn’t support HTML5
ሙሉእ ሪፖርት