ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ዘተ ብዛዕባ ባርባራዊ መጥቃዕቲ ሞቓዲሾ 

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ርእሰ-ከተማ ሞቓድሾ ዘጋጠመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ታሪኽ ሶማል ዝኸፈአ`ዩ። ነቲ 300 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ፡ ፈጺመዮ ዝበለ ወገን`ውን ዛጊት የለን።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሶማል ተደጋጋሚ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዝልለ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ስለምንታይ ኣብ`ዛ ጉዳይ`ዚኣ ኣስቂጡ። ንምዃኑ ሶማል ናበይ ገጻ`ያ ትኸይድ ዘላ?

ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ናብ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ምልኣኹን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኣብ ዝካየድ ውግእ፡ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ሶማል ደው ከምዝብል ምርግጋጹን ሓዲሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ዝእምት`ዩ`ዶ ክብሃል ይክኣል?

ነዚን ተዛመድትን ነጥብታት ሒዙ፡ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና።

ኣቶ መሓሪ ዮሃንስን ኣቶ ኣለም ዘሞ ዘካየድዎ ዘተ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ዘተ ብዛዕባ ባርባራዊ መጥቃዕቲ ሞቓዲሾ