ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ካብ ሱዳን ይወጹ

ኣብ ግዜ ዒድን ጾም ሮመዳንን እኳ ከዕርፍ ዘይክኣለ ግጭት ሱዳን ንታሽዓይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡መንግስታት ወጻኢ ዜጋታቶም ካብ ሱዳን የውጽኡ ኣለዉ። ከም ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝበላ ሃገራት ዲፕሎማተን ካብ ካርቱም ብነፈርቲ ዘውጽኣ ከለዋ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ብእግሮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምህዳም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ`ለዉ።

ኣሚን ኣል ጣይድ ዝተባህለ ነባሪ`ታ ከተማ ካብ ካርቱም ኣብ ስግር ፈለግ ኒል ትርከብ ኦምዱርማን ኲናት ቀጺሉ`ሎ፡ ሽሕ`ኳ ሰባት ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ተስፋ ጌሮም እንተበሩ: ዝተራእየ ምቁራጽ የለን፡ እኳ ደኣስ ከቢድ ምልውዋጥ ተኹስን ነጎድጓድ ፍንጀራታት ነታ ከተማ ኣናዊጽዋ`ዩ ይብል ።

ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳንን ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይሊ ድጋፍን ቅድሚ ትሸዓተ መዓልታት ኲናት ካብ ዝባራዕ ንደሓር ልዕሊ 420 ሰባት ሞይቶም ካብ መንጎኦም 264 ሲቪላት`ዮም: ልዕሊ 3,700 ምቑሳሎም`ውን ይግለጽ።

እቲ ቅልጡፍ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ ነፈርቲ ኣብ ሰሜናዊ ካርቱም ንዝርከብ ብሉጽ ከባብታት ደብዲበን ኢሉ፡ ካብቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ግን ርእይቶ የለን። እቲ ኲናት ንመዓርፎ ነፈርቲ`ታ ሃገር `ውን ኣሰናኺልዎ`ሎ። ሲቪላዊ ነፈርቲ`ውን መዕለብን መተንስእን ነፈርቲ ተሃስዩ ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ`ውን ጸሊም ትኪ ክወጽእ ይርኣይ።

ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሰፍ ቦረል ምስ ክልቲኦም ጀነራላት ከም ዝተዘራረበን ሲቪላት ክሕልዉን ዜጋታት ሕብረት ኣውሮጳ ንክወጹ ዕድል ክህቡን ከም ዝተማሕጸኖምን ብትዊተሩ ገሊጹ`ሎ።

ኣብ ካልእ ኲናት፡ ሓደ ላዕላዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ፍሉይ ሓይሊ ድጋፍ ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኮበር ዝገበርዎ መጥቃዕቲ መሊስናዮ ኣለና ኢሉ። እቲ ቤት ማእሰርቲ መራሒ ሱዳን ዝነበረ ዑማር ኣል-በሽርን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ምዃኑ ይግለጽ። ብርክት ዝበሉ እሱራት ከም ዝሃደሙን ውሑዳት'ውን ከምዝተቐትሉን ከም ዝቖሰሉን`ውን እቲ ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ በዓል-ስልጣን ሓቢሩ`ሎ። ዑማር ኣል- በሽርን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ግን ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝተኣልዩ ጠቒሱ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዶብ ግብጺ ዝርከብ ኣርኪን ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ብዝሰግራ 30 ኣውቶብሳት ተጨናኒቑ ይርከብ። ነብስወከፈን ብውሕዱ 55 ሰባት ዝጸዓና`የን።

ድሕሪ ናይ ሰሙን ምትዕንቓፍ፡ ፍሉያት ሓይሊ ኣመሪካ ትማሊ ሰንበት 70 ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ካርቱም ናብ ኢትዮጵያ ኣግዒዞም ኣለዉ። ኣሸሓት ዜጋታት ንምውጻእ ግን ኣዝዩ ሓደገኛ`ዩ ይብሉ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ። ካልኦት ሃገራት ግን ዲፕሎማተንን ዜጋታተን ንምውጻእ ይጓየያ ኣለዋ። ፈረንሳን ኢጣልያን፡ ንኹሎም ክወጹ ዝደልዩ ንምውጻእ ይዳለዋ ኣለዋ። ጀርመን ዘውጽኣቶም 101 ሰራሕተኛታት ኤምባሲን ስድራቤታቶምን ብዮርዳኖስ ኣቢሎም በርሊን ምእታዎም ሎሚ ሰኑይ ኣፍሊጣ`ላ። ናይ ሆላንድ ሓይሊ ኣየር ሲ፡130 ሀርኩለስ ዓባይ ነፋሪት`ውን ብዙሓት ወጻእተኛታት ናብ ዮርዳኖስ ኣግዒዛ`ላ፡ ከምኡ`ውን 388 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ጅቡቲ ዝወጹ ኣለዉ። ኢጣልያ`ውን ከምኡ ናብ ጅቡቲ ዝውጽኣቶም ኣለዉ።

ብመሬትን ባሕርን ዝግበር ምውጻእ ዜጋታት`ውን ቀጺሉ`ሎ። ዝሓለፈ ቀዳም ስዑዲ ዓረብ፡ 91 ዜጋታት ዝርከብዎም 157 ሰባት ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ጅዳ ብመርከብ ኣውጺኣቶም ኣላ።

ኣብ ሱዳን ልዕሊ 10- ሺሕ ዜጋታት ከምዘለውዋ ትገልጽ ግብጺ፡ ካብ ካርቱም ወጻኢ ዘለዉ ግብጻውያን ኣብ ፖርት ሱዳንን ካልእን ናብ ዝርከብ ቆንስላዊ ኣብያተ ጽሕፈት ግብጺ ክኸዱ ጸዊዓ`ላ።

ኣብ መንጎ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሓንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎን ዝተፈጥረ ግጭት ነቲ ተስፋ ተገይርሉ ዝነበረ ደሞክራሲያዊ ስግግር ኣጸልሚትዎ ይርከብ። ንባዕሎም ክልቲኦም ጀነራላት ድሕሪ`ቲ ንደገፍ ደሞክራሲ ዝተገብረ ህዝባዊ ናዕቢ ናብ ስልጣን ዝመጹ`ዮም። ቀንዲ ባእሶም፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ድጋፍ ቀስ ብቐስ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይውህሃድ ዝብል`ዩ።

ሕጂ ክልቲኦም ጀነራላት ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ንምኽሳብ፡ ነንሕድሕዶም ብምትዕንቓፍ ምውጻእ ዜጋታት ይካሰሱ ኣለዉ።

ሆስፒታላት ሱዳን፡ ቁሱላት ንምሕካም`ኳ ኣይከኣላን፡ ብዙሓት ኣብ መንጎ ኲናት ተቐርቂሮም ኣለዉ። ቁጽሪ ምውታት`ውን ካብቲ ዝብሃል ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል`ዩ ይግመት።

ኣብ ካርቱም ኣብ ንያላን ፖርት ሱዳንን ኣብ ሆስፒታላት ንምስራሕ ሓደ ጉጅለ ሓካይም ኢጣልያ 46 ኣባላቱ ካብ ካርቱም ምውጽእ ኣብዮም ኣለዉ ይብል።ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣሸሓት ሱዳናውያን ግን ካብ ካርቱም ይሃድሙን ኣብ ገዛውቶም ተሓቢኦምን ኣለዉ ብዘይ ማይን መብራህትን ይብሉ ። ኣብ ዳርፉር ምዕራባዊ ሱዳን ኣስታት 20- ሽሕ ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ሃዲሞም ኣለዉ።ከም ሓበረታ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልቲኦም ጀነራላት ዝካየድ ምትዃስን ምዕናውን ምልክት ህድኣት ኣየርእን።