ኣገባብ ምዝርጋሕ ሙዚቃን ፊልምን ምስ ሰገረ፡ ደውታ የቐጽል ዲዩ?

Your browser doesn’t support HTML5

ኣገባብ ምዝርጋሕ ሙዚቃን ፊልምን ምስ ሰገረ፡ ደውታ የቐጽል ዲዩ?

ዝርጋሐ ሙዚቃ፡ ፊልምን መጻሕፍቲን ዓለም ካብ ተጨባጢ ካሴት ወይ ካልእ ግኡዝ ጥረ-ነገራት ናብ ኦንላይን ድሕሪ ምስጋሩ፡ ኣፍረይቲን ስነ-ጥበበኛታትን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብርኡይ ተሃስዮም’ዮም። ከም ኣብ ኤርትራ ዝኣመሰላ ናይ ኦንላይን ኣገልግሎት ባንክ ንዘይብለን ሃገራት ድማ እቲ ወጽዓ ድርብ’ዩ ጸኒሑ። ነዚ ሃጓፍ ንምምላእ መተግበሪ (ኣፕሊከሽን) ዝሰርሑ መንእሰያት ኣዘራሪብና ኣለና።

ንምንጻር እቲ መስርሕ እቶም ዓማዊል ካብ ቤት ሙዚቃ ከይዶም ብኣካል ሕሳቦም ምስ ከፈሉ እቲ ዝደልዩዎ’ዩ ናይ ሙዚቃ ወይ ፊልም ስራሕ ኣብ ሞባይሎም ዝጸዓን።